ወፍሪ ደልደል 1980 E.c Shire-indaselassie

2,632 views · Published 28 March 2017 · 0:17 · Indexed 20 September 2026

Channel: PlayTigrigna · 2017 · Music

Watch on YouTube

እትኾሎ ዘለኻ ኣደባባይ ኣደባባይ መን ምዃኑ ከም ፈለጥካስ...
ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዋዝ ሒዙ በዓል ኮነሬል ኣለምሰገድ፣ሜጀር ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ-ማንጁስ ፣ኣረጋሽ ኣዳነ፣ ኮነሬል ይርዳው -ኣስቴር፣ኮነሬል ይርጋ ታረቀን ካልኦትን ዝነበርዎ ድሙቕ ፍሽኽታን ሓጎስን እቶም ጀጋኑ ዝርኣየሉ ቪድዮ ይኹን ፎቶ እንትንርእይ ገሌና ተጋደልቲ ኣዲስኣበባ እንትኣትዉ ይመስለና እሞ ከምኡ እዩ ንብል ገሌና ደብረዘይቲ እንትኣትዉ ንብል ገሌና እውን ካሊእ ።
እቲ ታሪኽ ግን ኣብታ ዋዝ ብድሕሪት ሓየሎም ኮይኑ ብድሙቕ ፍሽኽታ እንሪኦ ዘለና ጅግና ኮነሬል ኣለምሰገድ ሓቲተዮ ብምልሰት ንድሕሪት ድሕሪ ምንጓድ ድማ ከምዚ በለኒ:
“ እዚ እንትሓስብ ንዓይ እውን ሕንቅልሕንቅሊተይ እዩ ዝመስለኒ በለኒ እሞ
መጋቢት 20-1980 ዓ.ም እዩ።
ኣብ #ወፍሪ_ደልደል 17ኛ ክፍለጦር ደርጊ-ኣርባዕተ በርጌድን ድጋፍ ወሃብቲ ሻለቃታትን ዝሓዘ መጋቢት 17 -1980 ዓ.ም ካብ ኣኽሱም መጋቢት 19-1980 ዓ.ም ካብ ዓድዋ ከምኡ እውን መጋቢት 20-1980 ዓ.ም ካብ ሽረ እንዳስላሴ ድሕሪ ምድምሳስ ቅድሚ 29 ዓመት መጋቢት 20-1980 ዓ.ም ኣብ ሽረ እንዳስላሴ ኣብታ ሕዚ ናይ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ሓወልቲ ተተኺልዋ ዘሎ ኣደባባይ ሽዑ ሓንቲ ፓሎ ነይራ ኣብቲ ማእኸል ዝተማረኻ ታንክታት መዳፍዕን ካልኦትን ሒዝና እንዳዞርና፣ ወታደራዊ ሰልፊ ምስ ህዝቢ እንዳስላሴ እንዳካየድና እዩ “ በለኒ።
እቲ ዝገርም ግን እቲ ሓወልቲ ኣብቲ ኣደባባይ እንትትከል እዙይ ብምሕሳብ ዘይኮነስ ኣጋጣሚ ከም ማእኸል ከተማ ዝተተኽለ ምዃኑ እዩ።
ትማሊ ኣደባባይ ምብሳር ዓወትን ጅግንነትን ብመሪሕ እቲ ጅግና፣ሎሚ ኣደባባይ እቲ መበሰሪን ሰራሕን ዓወትን ጅግንነትን ጅግና ኮርዒዳ ሃገር ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ።
ሓየተይ ከምቲ ትማሊ ንሓፍትኻ ኣብ #ሓኽፈን ረጊፅክዮ ዘለኺ መሬት መቓብር መን ምዃን ተትፈልጢ ዝበልካያ ኣነ ድማ ሎሚ እትዞሮ ዘለኻ ኣደባባይ ኣደባባይ መን ከም ዝኾነ ከም ፈለጥካስ እንታይ ኮን ምበልካ እብለካ ኣለኹ።
መጋቢት 20-1969 ዓ.ም ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ሸራሮ ዝተገብረ ጀግንነትን መስዋእትነትን እውን ኣይረሳዕኹን።
#HaHu
subscribe here: https://www.youtube.com/Playtigrigna
© HaHu Entertainment. Unauthorized use of this copyrighted work is strictly prohibited.
Follow us @ Facebook https://www.facebook.com/Playtigrigna

More from this channel